Presentasjon lastes. Vennligst vent

Presentasjon lastes. Vennligst vent

ጥንታዊ ግሪኽ ስእሊ: ኣክሮፖሊስ.

Liknende presentasjoner


Presentasjon om: "ጥንታዊ ግሪኽ ስእሊ: ኣክሮፖሊስ."— Utskrift av presentasjonen:

1 ጥንታዊ ግሪኽ ስእሊ: ኣክሮፖሊስ

2 ጥንታዊ ግሪኽ ቅድሚ 2500 ዓመት ኣቢሉ፣ ስልጣነ ግሪኻውያን ክዓቢ ጀሚሩ።
ብዙሕ ካብ ባህልታትና፣ ናይ ጥንቲ ግሪኻዊ መበቆል ዘለዎ እዩ። ዴሞክራሲ፣ ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታትን ትያትርን ካብ ጥንታዊ ግሪኽ ዝመጽአ እዩ። ናይ ግሪኽ ትያትር

3 ጥንታዊ ግሪኽ ስልጣነ ግሪኻውያን ብልዕሊ 600 ናይ ከተማ መንግስታት ዝቆመ እዩ ኔሩ።
መብዛሕትኡ እዋናት፣ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ናይ ከተማ መንግስታት ኲናት ይግበር ኔሩ። ስለዚ ንምክልኻል ዝኸውን ግምብን ናይ ከተማ መንደቕን ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ ኔሩ። ዝያዳ ፍሉጣት ዝኾኑ ናይ ከተማ መንግስታት ኣቴንስን ስፓርታን እዮም። ኣክሮፖሊስ ዝተባህለ ኣብ ጫፍ ናይ ሓደ ከረን ዝተደኮነ ግምቢ። ነፍስ ወከፍ ናይ ከተማ መንግስቲ፣ ናይ ውልቁ ሕጊ ኔሩዎን፣ ብብዙሕ መገዲ ከም ሓደ ሃገር ኪውሰድ ዝከኣልን እዩ ኔሩ። ወተሃደር ግሪኽ ናይ ግሪኽ መርከብ ውግእ

4 ጥንታዊ ግሪኽ እቲ ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ቦታ፣ ናይ ግሪኽ ናይ ከተማ መንግስታት ዝነበሩሉ ቦታ የመልክት።

5 ጥንታዊ ግሪኽ ኣብ መንግስታት ከተማ ናይ ምውሳን መሰል ዝነበሮም ዝተወሰኑ ሰባት ጥራይ እዮም ።
ኣስታት 500 ዓመት ቅድሚ ክርስቶስ፣ ኣብ ኣቴንስ ዴሞክራሲ ተኣታትዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ፣ ኩላቶም ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰብኡት፣ እቲ ከተማ ብኸመይ ክመሓደር ከምዘለዎ ናይ ሓቢርካ ምውሳን መሰል ረኺቦም። እቲ ዴሞክራሲ ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል «ህዝባዊ ኣመሓድራ» ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ናጻ ሰብኡት (ባሮት ዘይዀኑ)፡ ተኣኪቦም እቲ ከተማ ብኸመይ ከምዝመሓደር ይውስኑ። ኣብቲ ስእሊ፡ ብቕድሚት ዘሎ ንውሕ ዝበለ ቦታ፡ ተዛራባይ ደው ኢሉ ዝዛረበሉ ቦታ እዩ ኔሩ።

6 ጥንታዊ ግሪኽ ኣቴናውያን ኣብ ንግዲ ይዋፈሩ ኔሮም። ነቲ ክብድ ዝበለ ዕዪ ዝሰርሑ ባሮት እውን ኔሩዎም።
ኣቴናውያን ሰብኡት ምዝንጋዕ ይፈትዉን፣ ኣብ ገዝኦም ጥራይ ይበልዑን ይድቅሱን ኔሮም። ኣቴናውያን ኣንስቲ ብዙሕ ዝለዓለ ቦታ ኣይወሃበንን ኔሩ። ኣብ ገዛ ኮፍ ብምባል ደቀን የዕብያ ኔረን። ማሕበራዊ ህይወት ናይ ኣንስቲ ድሩት ኔሩ ፣ ስለዚ ኣብ ምትእክካብ ስድራ ዝተወሰነ ምስታፍ ኔሩወን። ኣቴናውያን ዝሸጡዎ ዘይቲ ኣውሊዕ ብምድላው፣ ስርያይ ይገዝኡ ኔሮም። ባርያ

7 ጥንታዊ ግሪኽ ኣብ ስፓርታ ዝነበረ ስርዓት ዴሞክራስያዊ ኣይነበረን። ኣብኡ ሓደ ኮሚቴ ናይ ሽማግለታት ሰቡኡት ይውስን ኔሩ። ኣብ ሞንጎ 7ን 30ን ዓመት ዝርከቡ ኣሰብኡት ኩላቶም፣ ወተሃደራት ናይ ምኳን ግዴታ ኔሩዎም። ሓደ ናይ ስፓርታ ወተሃደር ንዝኾነ ቃንዛ ክጻወር ይግብኦ ኔሩ። ኣብ ስፓርታ ዝነበራ ኣንስቲ ካብተን ኣብ ግሪኽ ዝነበራ ኣንስቲ ንላዕሊ ናጽነት ኔሩወን። ኣዋልድ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክገብራ ይኽእላን ኣብ ቤት ትምህርቲ ይማሃራን ኔረን። ናይ ውልቀን ንብረት እውን ይውንና ኔርን። ናይ ስፓርታ ወተሃደር

8 ጥንታዊ ግሪኽ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ንኽብሪ ኣምላኽ ግሪኻውያን ዙስ ዝኸውን ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት ይዳሎ። ከም ፐንታትሎን፣ ጉያ፣ ምጉሳጥ፣ ምግላብን ሙዚቃን ዝኣመሰለ ብዙሕ ልምምድ ይግበር ኔሩ። ኣብቲ ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት፣ ኣሰብኡት ጥራይ እዮም ዝሳተፉ ኔሮም።ድሕሪ ተወሰነ ጊዜ፣ ነንስቲ ዝኸውን ነብሱ ዝኸኣለ ጸወታታት ክዳሎ ተጀሚሩ። ኣብ ኦሎምፒያ ዝርከብ ሓወልቲ ዙስ። ኣብ እዋን ናይ ቅልስ ውድድር፣ ንተዋዳደርቲ፡ ምንኽኻሰ፣ ዓይኒ ምውጽጻእን ኣጻብዕቲ ምስብባርን ፍቑድ እዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን ጸወታ ብዘጋጥም መጉዳእቲ፣ ሞት ይስዕብ ኔሩ። ዑና ናይ ሓደ ኦሎምፒካዊ ጸወታታት ዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ።

9 ጥንታዊ ግሪኽ ናይ 1896 ናይ ኦሎምፒክ ሜዳልያ ናይ ጥንታዊ ግሪኽ ናይ ኦሎምፒክ ስታድዩም
ናይ ናይ ኦሎምፒክ ሜዳልያ ናይ መጀመርያ ምዕቡል ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት ኣብ ኣቴንስ (1896) ናይ ጥንታዊ ግሪኽ ናይ ኦሎምፒክ ስታድዩም ኣብ ኣቴንስ ኣብ 2004 ዝተገብረ ናይ ኦሎምፒክ መኽፈቲ ስነስርዓት

10 ጥንታዊ ግሪኽ Bilde: Link: Rettighetsinformasjon: Gammel olympisk stadion
OL i 2004 OL i 1896 Olympisk medalje Olympisk treningsbane Statue av Zevs Demokrati Spartansk soldat Akropolis Dionysos Teater Kriger Gresk krigsskip Oliven Oliventre Slave Kart


Laste ned ppt "ጥንታዊ ግሪኽ ስእሊ: ኣክሮፖሊስ."

Liknende presentasjoner


Annonser fra Google