Presentasjon lastes. Vennligst vent

Presentasjon lastes. Vennligst vent

ዑደት ማይ.

Liknende presentasjoner


Presentasjon om: "ዑደት ማይ."— Utskrift av presentasjonen:

1 ዑደት ማይ

2 ዑደት ማይ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ መሬት ብማይ ዝተሸፈነ እዩ። እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይዚ ማይ ኣብ ውቅያኖሳት ይርከብ። ገለ ክፋል ማይ ብመልክዕ በረድ ይርከብ። ጥዑም ማይ፡ ኣብ መንጫዕጫዕታት፣ ኣብ ወሓይዝ፣ ኣብ ቀላያትን ኣብ ውሽጢ መሬት ዝርከብ ማይን ይርከብ። እቲ 2/3 ክፋላ ብማይ ዝተሸፈነ መሬትና እታ ሰማያዊት ፕላኔት ተባሂላ ትጽዋዕ። ብኣንጻር እቶም ኣብ ስርዓተ ጸሓይና ዝርከቡ ካልኦት ፕላኔታት፡ ኣብ መሬትና ብዙሕ ማይ ይርከብ እዩ። እቲ ዝዓበየ ክፋል(97% )ናይ መሬትና ማይ ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ይርከብ። እዚ ኣብ ባሕሪን ውቅያኖስን ዘሎ ማይ ብዙሕ ጥህዝቶ ናይ ጨው ዘለዎ እዩ፣ ተኾነ ግን ኣገዳሲ ክፋል ናይ ዑደት ማይ እዩ። ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ መሬትና ዝርከብ ማይ ናብ በረድ እተቐየረ እዩ። ዝዓበየ ክፋል ናይዚ በረድ እዚ ኣብ ኣንታርክቲክን ግሪንላንድን ይርከብ። እቲ ዝተረፈ ክፋል ሚኢታዊት ናይ መሬትና ማይ ብመልክዕ ጥዑም ማይ ይርከብ። ብጀካ ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ፍጡራት፡ ጥዑም ማይ ነቶም ህይወት ዘለዎም ነገራት ኣገዳሲ ነገር እዩ። ደቅሰባት ይኹኑ ዝኾኑ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እንሰሳታት ብዘይ እቲ ካብ መንጫዕጫዕታት፣ወሓይዝ፣ ቀላያትን ኣብ ውሽጢ መሬት ዝርከብ ማይን ንረክቦ ጥዑም ማይ ብህይወት ክነብሩ ኣይምኸኣሉን ኔሮም። ብዘይ ማይ፡ ዝኾነ ሰብ፣ እንሰሳ ወይ ተኽሊ ብህይወት ክጸንሕ ኣይምኽኣለን።

3 ዑደት ማይ ሰለስተ መልክዓት ናይ ማይ ማይ፡ ፈሳሲ፣ በረድ ወይ ከኣ ጋዝ ክኸውን ይኽእል።
ማይ መልክዑ ክቕይር ነዊሕ ወይ ሓጺር ጊዜ ኪወስደሉ ይኽእል እዩ። ዑደት ማይ ኣብ ገጽ ምድሪ፣ ልዕሊ ገጽ ምድርን ኣብ ትሕቲ ገጽምድርን ዝካየድ ዘየቋርጽ መስርሕ እዩ። ኣብ እዋን መስርሕ ዑደት ማይ፡ ማይ ናብ ፈሳሲ መልክዕ( ፈሳሲ ማይ)፣ ናብ ደረቕ መልክዕ( በረድ)ናብ ጋዝ መልክዕን( ሃፋ) መልክዑ ይለዋወጥ እዩ። ሓንቲ ናይ ማይ ሞሎኪውል፡ ካብ ሓደ ደረጃ ናይ ዑደት ማይ ናብ ካልእ ደረጃ ክንቀሳቕስ ዝወስደሉ ጊዜ፡ ካብ ካልኢታት ናብ ኣሽሓት ኣመታት ይፋላለ እዩ። ማይ ኣብ ሓደ ቦታ ዝጸንሓሉ እዋን ከመቲ ዘለዎ ቦታ ይፋላለ እዩ። ኣብታሕቲ ኣብዘሎ ዝርዝር፡ ሓደ ናይ ማይ ሞሎኪዩል፡ ብገምጋም ንክንደይ እዋን ኣብ ተፈላለየ ቦታ ክጸንሕ ከምዝኽእል የርኢ። እቲ ናይ ህላወ እዋን ሓጺር ወይ ነዊሕ ክኸውን ከምዝኽእል ክነመልክት ንኽእል ኢላ። ተኾነ ግን ገምጋም ጥራሕ ኢና ክንወስድ ንኽእል። ነቶም ንምህሮም ተምሃሮ መታን ከይነዳራብሾም፡ ቅልል ብዝበለ መገዲ፡ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ዝርዝር፡ ሓደ ንጣብ ማይ ናብ ካልእ መልክዕ ከይተለወጠ ንኽንደይ ጊዜ ኣብ ሓደ ቦታ ክጸንሕ ከምዝኽእል ንምግላጽ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ሓብሩዎም። ኣብ ባሕሪ ዓመት ኣብ ዝዘንብ በረድ ኣዋርሕ ኣብ ከውሒ በረድ ዓመት ኣብ መሬት ኣዋርሕ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝረከብ ማይ ዓመት ኣብ ወሓይዝ ኣዋርሕ ኣብ ቀላያት ዓመት ኣብ መዓሙቕ ዓመት ኣብ ከባቢ ኣየር- 9 መዓልቲ ኣብዚ ስእሊ ንማይ ብተፈላለይ መልክዕ ኣብ ተፈላላየ ቦታ ክትርኢ ትኽእል።

4 ዑደት ማይ ኣብ ዑደት ማይ ከም ሞቶር ኮይና ትዓዪ ጸሓይ እያ። ጸሓይ ነቲ ማይ ተውዕዮ እሞ ናብ ሃፋ ይቕየር።
እቲ ዝዓበየ ምህፋፍ ማይ ኣብ ከባቢ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ይካየድ። መስርሕ ዑደት ማይ ኣበይ ከምዝጅምር ክንዛረብ ዘይከኣል እዩ። ዑደት ማይ ኩሉ ጊዜ ይካየድ፣ ማይ ድማ ቀጻሊ ምስተንቀሳቐሰ እዩ። ኣቕሊልካ ንምዝራብ ነቲ መስረሕ ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ዓበይቲ መኻዝናት ናይ ማይ ክንጅምር ኢና። ንማይ ናብ ምጅማር መስርሕ ዑደት ማይ ተበግሶ ጸሓይ እያ። ምኽንያቱ ጸሓይ ነቲ ማይ ብምውዓይ ከምዚሃፍፍ ትገብሮ። እቲ ዝዓበየ መስርሕ ምህፋፍ ማይ ኣብ ከባቢ ባሕርታት ዓለምና ይካየድ። እዚ ድማ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይ መሬትና ብባሕርታትን ውቕያኖሳትን ዝተሸፈነ ስለዝኾነ እዩ። ገሊኡ ማይ ከማን ካብ ከባቢ ጥዑም ማይ ዝርከበሉ ቦታ ይሃፍፍ እዩ። ኣትኽልቲ ከማን ኣብ ብመስርሕ ፎቶሰንተሲስ መግቦም ከዳልዉ ከለዉ ማይ ናብ ደገ ይፍንዉ እዮም። ብተወሳኺ እንሰሳታት እውን ሃፋ ማይ ካብ ነብሶም ናብ ደገ የውጽኡ እዮም። ማይ ይሃፍፍ ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ? Foto: Blmurch

5 ዑደት ማይ ማይ ክሃፍፍ ከሎ ናብ ላዕሊ ናብ ኣየር ይድይብ። ኣብኡ ድማ ዝዘሓለ ቦታ እዩ።
እቲ ሃፋ ናብ ንኣሽቱ ነጠብጣባት ብምልዋጥ ኣብ ደበና ይእከብ። Foto: pangalactic gargleblaster ማይ ክሃፋፍ ከሎ ናብ ላዕሊ ናብ ኣየር ይድይብ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ከባቢ ኣየር ምስ በጽሐ ድማ እቲ ማይ ይዝሕል። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣየር ዝሑል ምዃኑ ዝሰዓበ እዩ። እቲ ሓፋ ንኣሽቱ ንጣባት ይፈጥር እሞ ናብ ደበና ይእከብ። ሓይሊ ንፋስ ነዞም ደበናታት የንቃሳቅሶም እሞ ኣብቲ እዋን እቶም ንኣሽቱ ንጣባት ናይ ማይ አናተጋጨዉ ዝዓበዩ ንጣባት የዳልዉ። ንጣባት ናይ ማይ ይሳሓሓቡ እዮም። ስለዚ ተተላጊቦም ብሓንሳብ ይተሓዋወሱ። ንሓደ ንጣብ ናይ ዝናብ ንምፍጣር ሚሊዮናት ናይ ደበና ንጣባት ከምዘድሊ ትፈልጡ ዶ ? ድሕሪኡ እቶም ንጣባት ይዓብዩ እሞ ብስሕበት መሬት ድማ ክስሓቡ ይጅምሩ። ኣብ ከባቢ ኣየር ኩሉሳዕ ገለ መጠን ናይ ማይ ይርከብ እዩ። ሽሕኳ ኣብ ደበናታት ጥራይ ማይ ንርኢ ተኾንና፣ ኣብ ጽሩይ ኣየር እንኮላይ ማይ ይርከብ እዩ። እቶም ንኣሽቱ ነጠብጣባት ይትኣኻኸቡ እሞ ዓበይቲ ነጠብጣባት ይፈጥሩ።

6 ዑደት ማይ ድሕሪኡ ኣብ ደበና ዘለዉ ንጣባት ናይ ማይ ዓበይቲን ረዘንትን ይኾኑ እሞ ናብ ባይታ ይወድቑ።
እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ማይ ናብ ባሕርን መሬትን ይወድቕ። ኣብ ደበና ዘለዉ ንጣባት ናይ ማይ ዓበይቲን ረዘንትን ይኾኑ እሞ ካብ ሰማይ ብመልክዕ ማይ፣ በረድን በረድ ተሓወሶ ማይን ኮይኖም ይወርዱ። እቲ ዝናብ ብመልክዕ በረድ ተወሪዱ፡ ከም ከውሒ በረድ ወይ ከም እካብ ናይ በረድ ብምዃን ከይ መኸኸ ወይ ናብ ማይ ከይተለወጠ ንተወሰነ እዋን ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ብኸምዚ ድማ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ዝናብ ናብ ባሕርን ናብ መሬትን ይምለስ። Foto: James Jordan ብጀካ ማይ ኣየናይ ዓይነት ዝናብ ትፈልጥ?

7 ዑደት ማይ እቲ ዝወርድ ዝናብ ንኣሽቱ ዛራታት ይፈጥር።
ድሕሪኡ ድማ እቶም ዛራታት ይተኣኻኸቡ እሞ ወሓይዝ ይፈጥሩ። ኣብ እዋን ጽድያ እቲ በረድ ምስመኸኸ፡ እቶም ወሓይዝ ዓበይቲ ወሓይዝ ይኾኑ። ማይ ምስ ዚሃርም እቲ ዚሃርም ማይ ናብ መሬት ይወድቕ እሞ ንኣሽቱ ዝውሕዙ ዛራታት ይፈጥር። እቶም ዛራታት ምስትራኸቡ ወሓይዝ(ሩባታት) ይኾኑ። ዕቤት ናይ ሓደ ሩባ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክፋላለ ይኽእል። ዚዘንብ ማይ እቲ ሩባ ከምዝመልእ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ጽድያ ዝመክኽ በረድ እውን ንምምላእ ሩባታት ዓቢ ተራ የበርክት። ወሓይዝ ኪውሕዙ ከለዉ፡ ነቲ ዚሓልፉሉ ቦታ ማይ እናስተዩ ይኸዱ። እዚ ድማ ንእንሰሳታትን ኣትኽልትን ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺ ወሓይዝ ንደቅሰባት ምንጪ ሓይሊ፣ ዝስተ ማይ፣ መጓዓዝያን ምንጪ መግብን ብምዃን የገልግል። ብመገዲ ሩባታት ኣቢሉ እቲ ማይ ናብ ባሕርታት ይሕወስ እሞ ኣብኡ ድማ ከምብሓድሽ ይሃፍፍ። Foto: Gogi Bedenashvili

8 ንመስርሕ ዑደት ማይ ኣብዚ ስእሊ ክተርኢ ትኽእል ዶ?

9 ዑደት ማይ ገለ ካብቲ ዝዘንብ ማይ ናብ ውሽጢ መሬት ይኣቱ እዩ።
ኣብዚ ድማ ዓበይቲ ናይ ውሽጢ መሬት ቀላያት ይርከቡ። ከምዚ ዝኣመሰል ማይ ትሕቲ ባይታ ዘሎ ማይ ኢልና ንጽውዖ። ኩሉ ማይ ኣይኮነን ናብ ውሕጅ፣ ጥዑም ማይን ባሕርን ዝኸይድ። ብርክት ዝበለ ማይ ናብ ውሽጢ መሬት ተሳሒቡ ናብ ውሽጢ መሬት ዘሎ ማይ ይኣቱ እዩ። ነዚ ድማ ምስ ዓቡ ቀላይ ክነመሳስሎ ንኽእል። እቲ እንኮ ፍልልይ እዚ ቀላይ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝርከብን ክንርእዮ ዘይንኽእል ምዃኑን እዩ። ገሊኡ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝርከብ ማይ ከም ምንጪ ይዛሪ። ገሊኡ ዛራ ንእሽተይ ማይ ዝወጾን ማይ ኪሃርም ከሎ ጥራይ ዝርኤ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ዛራ ግን ብዙሕ ማይ ዚዛሪ እዩ። ውዕይ ማይ ዘምንጭዉ ዛራታት እውን ይርከቡ እዮም። እቲ ውዕይ ማይ ቅድሚ ብነቓዓት ኣካውሕ ወይ ጎቦታት ኣቢሉ ምውጽኡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ መሬት ዘሎ ንጥፈት እሳተ ጎሞራ ዝውዒ እዩ። ማይ ውዕይ ሓደ ኣብነት ናይ ውዕይ ማይ እዩ። ትሕቲ ባይታ ዘሎ ማይ ብሰራውር ኣትኽልቲ ክምጾ እውን ይኽእል እዩ። እቲ ብሰራውር ዝምጾ ማይ ብመገዲ ኣቁጽልቲ ናይቲ ተኽሊ ኣቢሉ ስለዚሃፍፍ ኣብ ዑደት ማይ እትው እዩ። ገለ ክፋል ናይቲ ትሕቲ ባይታ ዘሎ ማይ ናብ ደገ ወጺኡ ብምውሓዝ ናብ ባሕርታት ይሕወስሞ ከምብሓደሽ ናብ መስርሕ ዑደት ማይ ይኣቱ። ማይ ውዕይ ካብ ውሽጢ ባይታ ዝምንጩ ውዕይ ማይ እዩ። Foto: Chris

10 ዑደት ማይ ዝዘንብ በረድን በረድን ናብ ሓፋ ክልወጥ ይኽእል እዩ።
እዚ ዘጋጥም ድማ ዛሕሊ ምስ ዚህሉ፣ ብርቱዕ ጸሓይን ንፋስን ክህሉ ከሎ እዩ። ኣብቲ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ከረን ሂማላያ፡ ዝዘንብ በረድን በረድን ናብ ሃፋ ክልወጥ ይኽእል እዩ። ዚዘንብ በረድን በረድን ናብ ማይ ከይተለወጠ ወይ ከይመኸኸ ከሎ ናብ ሃፋ ከምዝቕየር ትፈልጡ ዶ? እዚ መስርሕ እዚ ንቡር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምህፋፍ በረድ ከጋጥም መታን ከም ትሑት ጠሊ ኣየር፣ ደረቕ ንፋስን ብርቱዕ ብርሃን ጸሓይን ዝኣመሰለ ፍሉይ ኩነታት ኣየር የድሊ እዩ። ኣብ እዋን ክረምቲ ጥሉል ክዳን ክነስጥሕ ከለና ዘጋጥም ነገር ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል። እቲ ኣብቲ ጥሉል ክዳን ዘሎ ማይ መጀመርታ በረድ ይኸውን ድሕሪኡ እቲ ክዳን ይነቅጽን እቲ በረድ ናብ ማይ ከይተለወጠ ከሎ ክጠፍእ ይጅምር። ብዝኾነ ኣብ ኖርወይ ዝዘንብ በረድን በረድን ቅድሚ ምህፋፉ መጀመርታ ብምምኻኽ ናብ ፈሳሲ ማይ ክቕየር ምርኣይ ንቡር እዩ። ነዚ ድማ ኣብ እዋን ጽድያ እቲ በረድ ከምኽኽ ከሎ ክንርእዮ ንኽእል። እቲ ብዙሕ መጠን ዘልዎ ማይ ካብቲ ዝመኸኸ በረድ ዝመጽእ እዩ፡ ብኸምዚ ድማ እቲ ማይ ናይ ፈሳሲ መልክዕ ይሕዝ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ናይ ዓለምና ግን በረድ ቅድሚ ምህፋፉ ናብ ማይ ክልወጥ ኣይደልዮን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ካብ ዘጋጥመሎም ቦታታት እቲ ሓደ ከረን ሂማላያ እዩ። ኣብዚ እቲ ኣየርን ንፋስን ደርቕ ክኸውን ከሎ ብርቱዕ ብርሃን ጽሓይ እውን ይርከብ።

11 ዑደት ማይ ዑደት ማይ ሰባት ናይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ንኸመንጭዉ ይሕግዝ። ማይ ናብ ሓደ መኸዘኒ ይእከብ።
እቲ ተኣከበ ማይ ካቲ መኽዘን ናብ ሓደ መንኮርኩሩ ብናህሪ ዚዘውር ሞተር ይኸይድ።. ካብቲ መንኮርኩሩ ብናህሪ ዚዘውር ሞተር ዝወጽእ ሓይሊ ናብ ሓደ ጀነሬተር ይልኣኽ። እዚ ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የዳሉ።

12 ዑደት ማይ ገሊኡ ቦታ ናይ ዓለምና ብዙሕ ዝናብ ክረክብ ከሎ ገሊኡ ቦታ ድማ ውሑድ ዝናብ ይረከብ። ውሑድ ዝናብ
ኣብ ዓለምና ዘሎ መጠን ዝናብ ናብ ኩሉ ቦታ ብምዕሩይ ኣገባብ ዝተመቓረሐ ኣይኮነን። እቲ መጠን ናይ ዝናብ ኣብ ተፈላለየ ቦታ ኣዝዩ ተፈላለየ እዩንኖርወይ ተርኢና ኣብ ገሊኡ ቦታታት ብዙሕ ዝናብ ዝዘንብ እኳ ተኾነ ገሊኡ ቦታታት ኣዝዩ ብዙሕ ዝናብ ይዘንቦ። ነቲ ኣብ ፕላኔትና ዘሎ ኣዛንባ ማይ ተጽኒዕና እውን፡ ኣብ ዓመታዊ ዝናብ ዘሎ መጠን ፍልልይ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ዝበዝሐ ዝናብ ዝረክብ ቦታ ኣብ ዓመት ክሳዕ 10 ሜትሮ ማይ ክዘንቦ ከሎ ገሊኡ ዝናብ ዝይረክብ ቦታ ድማ ካብ 10 ክሳዕ 15 ዓመት ጥብ ዝብል ማይ ኣይረክብን። ኣብ ላዕሊ ዘሎ ካርታ ነቲ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ዝናብ፣ ገለ ዝናብን ውሑድ ዝናብን ዝረክቡ ቦታታት ዘርኢ እዩ። Illustrasjon: LordToran ውሑድ ዝናብ ገለ ዝናብ ብዙሕ ዝናብ

13 ዑደት ማይ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ናይ ዓለምና ማይ ብዙሕ ስለዘይሃርም ዲጋታት ይሰርሑ እዮም።
ኣብ ዲጋታት ማይ ይእከብን ይኽዘንን። ከምቲ ዝርኣናዮ ኣብ ኩሉ ክፋል ናይ ዓለምና ዘሎ ዓቐን ዝናብን ኣመቓርሓ ማይን ምዕሩይ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ሰባት ንማይ ክቋጻጸሩ ፈቲኖም እዮም። ነቲ ንህይወት ኣገዳሲ ዝኾነ ማይ ንምርካብ ንውሕጅ ብምክታር ናይ ማይ መእከቢ ቦታ የዳልዉ። ብኸምዚ ድማ ዝስተ ማይን ንሕርሻ ዝኸውን ማይን ይርከብ። ሓደ ኣብነት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዲጋ ኣብ ግብጺ ይርከብ። ፈለግ ናይል ብውሽጢ እታ ሃገር ኣቢሉ ይውሕዝ። ኣብኡ ድማ ነቲ ውሕጅ ብምክታር ዲጋ ተሰሪሑ ይርከብ። እቲ ዲጋ ድማ ቀላይ ናስር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ቀላይ ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ቀላይ ድማ ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ዓመት ሙሉእ ኣብ ሕርሻ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ማይ ይሕዘሎም። በዚ ድማ ኣብ ዓመት ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ እዋናት ክዘርኡ ይኽእሉ እዮም። በዚ ድማ ኩሉ ጊዜ ዝስተ ማይ ይርከብን ኣብ ሕርሻ ይውዕልን።

14 ዑደት ማይ Bilde: Lenke: Rettigheter: Forside
Blå planet Fordamping Skyer Regn Elv Geysir Himalaya Nedbørskart Aswan Kretsløp


Laste ned ppt "ዑደት ማይ."

Liknende presentasjoner


Annonser fra Google